ንግሆን ምሸት ቆይቂ ኮይኑ። እዚኣ ሓንቲ ናይ ምዝርራብ ልምዲ ፈትንዋ። ዶር ያቆብ ተኪኤ ሳይኮሎጂስት Dr. Yacob Tekie, Psychologist
DrYacobTekie
0:00 / 0:00
ንግሆን ምሸት ቆይቂ ኮይኑ። እዚኣ ሓንቲ ናይ ምዝርራብ ልምዲ ፈትንዋ። ዶር ያቆብ ተኪኤ ሳይኮሎጂስት Dr. Yacob Tekie, Psychologist
7 226 просмотров · 8 мес. назад
DrYacobTekie
4,68 тыс. подписчиков
7 226 просмотров · 8 мес. назад
ኣብ መንጎ መጻምድቲ ዝፍጠር ምጉሩፋጥ ወይ ዘይምስምማዕ ብዙሕን ንቡሩን እዩ። እንተኾነ ግን፡ ብኣግኡ እንተዘይ ተኣልዩ፡ ኣዕናዊ ዝኾነ ጽልዋ ክህልዎ ይረአ እዩ። ኣብዚ ቪድዮ፡ ብዝተፈላለዩ መጽናዕትታት ዝተረጋገጸት ሓንቲ ናይ ምዝርራብ ልምዲ ኢና ክንዛረብ። እዚኣ ድማ ኮነ ኢልካ ብህንጡይነት ምዝራብን ምስማዕን እዩ (Intentional curiosity)። እዚኣ ኣብ ክንዲ ድፈንሲቭ ምኻን ወይ ብዝመሰለካ ብስሚዒት ምምላስ፡ ክንዩ እቲ ኩነት ብምርዳእ፡ ብህንጡይነት ክትርዳእ ምፍታን እያ።
መዓልታዊ ወለዲ ክገብርዎ ዘለዎም ወይ ውን ሂወትኩም ንምምሕያሽ ክተዘውትርዎ ትኽእሉ ንጥፈታትን ክእለታትን: ሰሙናዊ ኣብ ዋትስኣብ ቻነል (WhatsApp Channel) ክዝርግሕ እየ። በዚ ኣብ ታሕቲ ዘሎ ጥብቆ ተጠቒምኩም ክትጽንበሩ ትኽእሉ ኢኹም።
Join my WhatsApp Channel for weekly mental health practices and early workshop access: https://whatsapp.com/channel/0029Vb7y...
ኣብዚ ናይ ሎሚ ቪድዮ ንመሃሮ፡
ብኸመይ ህንጡይነት ዝመልኦ ኣረዳድኣ ይህልወካ
ብኸመይ ህንጡይነት ምጉሩፋጥን ዘይተደልዬ ስሚዒታት እምባጋሮን ክተወግድ ትሕግዘና
መጻምድትኻ ወይ መጻምድትኺ፡ ዝኾነ ስሚዒታት ከንጸባርቑ ኸለዉ፡ ብኸመይ ክንዩ እቲ ስሚዒታት ክትርዳእ ትኽእል
ብኸመይ ህንጡይነት ኣብ መንጎኹም ዘሎ ርክብ ተደልድልን ስሚዒታዊ ውሕስነት ትፈጥርን
ብቐጻሊ ዘጋጥሙ ልሙዳት ኣብነታት ክትመሃሩ ኢኹም።
እዞም ምኽርታት፡ ሰብ ሓዳር ኮይንኩም፡ ምርዑዋት፡ ወይ ኣብ ዕርክነት/ፍቕሪ ዘለኹም ወይ ውን ናይ ምዝርራብ ክእለትኩም ክተመሓይሹ ትፍትኑ፡ ዘይምስምማዕ ብምጉዳልን ኣብ መብጎኹም ዘሎ ርክባት ብምድልዳልን ክተቀራርበኩም ትኽእል እያ።
ርእሰ ትንተና ንምክያድ፡
ኣብዚ ሰሙን እዚ ሓንቲ ብህንጡይነት ዝተበገሰት ወይ ዝመልአት ሕቶ ንመጻምድትኹም እንታይ ኢልኩም ምሓተትኩም?
ተመክሮኹም ኣካፍሉ፡ ሼር ግበርዎ
ተመሳሳሊ ቪድዮ ንምክትታል ሳብስክራይብ ንግበር።