ሰነፍ ኣይኮንካን! ኣእምሮኻ ከመይ ጌርካ ከም እትቕይሮ ጥራይ ተማሃር | 8 ኣገደስቲ ስጉምትታት
khaled Nur (Idealife)
0:00 / 0:00
ሰነፍ ኣይኮንካን! ኣእምሮኻ ከመይ ጌርካ ከም እትቕይሮ ጥራይ ተማሃር | 8 ኣገደስቲ ስጉምትታት
753 просмотра · 8 ч назад
khaled Nur (Idealife)
25,1 тыс. подписчиков
753 просмотра · 8 ч назад
ሰነፍ ኣይኮንካን! ግን ስለምንታይ እዩ ክትጅምር፡ ክትቅጽልን እቲ እትደልዮ ለውጢ ከተምጽእን ዘጸግመካ?
ብዙሓት ሰባት ኣብ ህይወቶም ብዙሕ ዕላማታት ኣለዎም። ክምሃሩ፡ ክሰርሑ፡ ክዕወቱ፡ ክለወጡን ዝሓሸ መጻኢ ክሃንጹን ይደልዩ። ግን ኣብ መንጎ እቲ ዝደልይዎን እቲ ዝገብርዎን ዓቢ ፍልልይ ኣሎ።
እቲ ጸገም ስንፍና ጥራይ ኣይኮነን። ምድንጓይ፡ ልምድታት፡ ብሞባይል ምዝንጋዕ፡ ኣቓልቦኻ ምጥፋእን ብዘይ ዲሲፕሊን ምንባርን'ውን ኣብ ለውጢ ዕንቅፋት ክኾኑ ይኽእሉ እዮም።
ኣብዚ ቪድዮ ካብ ስንፍናን ንጽባሕ ይጽንሓለይን ብኸመይ ከም እክትወጽእን፡ ኣቓልቦኻ ክትቆጻጸርን ዘላቒ ልምድታት ክትሃንጽን ዝሕግዙ 8 ኣገደስቲ ስጉምትታት ክንርኢ ኢና።
ኣብዚ ቪድዮ እንታይ ክትምሃር ኢኻ?
1. ንእሽቶ ስጉምቲ ብምውሳድ ብኸመይ ክትጅምር ትኽእል።
2. ሕጊ ሓሙሽተ ደቓይቕ ብኸመይ ክትጥቀም።
3. ካብ ስምዒት ናብ ልምዲ ብኸመይ ክትሰጋገር።
4. ስልክኻን ማሕበራዊ ሚድያን ኣቓልቦኻ ከይቆጻጸሩ ብኸመይ ክትከላኸል።
5. ብዘይ ስልኪ ምጽናሕን ህድኣት ምርካብን ክትለማመድ።
6. ኣብ ክንዲ ውጽኢት ጥራይ ጻዕርኻ ከተኽብር።
7. ንግሆኻን ምሸትካን ብኸመይ ክትቆጻጸር።
8. ንርእስኻ ተሓታቲ ብምግባር ብኸመይ ክትቅጽል።
ሓደ ብድሆ ንኣኻ!
ካብ ሎሚ ጀሚርካ ን7 መዓልታት ነዞም ልምድታት ፈትኖም፦
ንግሆ ን30 ደቓይቕ ሞባይልካ ኣይትጠቀም።
ን10 ደቓይቕ መጽሓፍ ኣንብብ።
ን25 ደቓይቕ ብኣተኩሮ ስራሕ።
ንማሕበራዊ ሚድያ ዝወስደልካ ግዜ ተቖጻጸር።
ቅድሚ ምድቃስካ ሰለስተ ጽቡቕ ነገራት ናይታ መዓልቲ ጽሓፍ።
ኣብ መወዳእታ ናይተን 7 መዓልታት እንታይ ለውጢ ከም ዝረኣኻ ኣካፍለና።
እዚ ቪድዮ እንተጠቒሙካ፡ LIKE ግበር፡ ምስ ካልኦት ኣካፍሎ፡ ንተወሳኺ ትምህርትታት ዕብየት ገዛእ ርእስኻን ለውጢ ህይወትን ድማ ንIdealife Success Coach SUBSCRIBE ግበር።
*IDEALIFE SUCCESS COACH*
ህይወትካ ብፍልጠት፡ ብጥበብን ብተግባርን ቀይር!
00:00 - ሰነፍ ኣይኮንካን! (Introduction)
01:31 - 1. ብንእሽተይ ጀምር
04:11 - 2. ሕጊ ሓሙሽተ ደቓይቕ
06:12 - 3. ካብ ስምዒት ናብ ልምዲ
08:19 - 4. ሞባይልካ ከይትቆጻጸረካ ተጠንቀቕ
11:27 - 5. 10 ደቂቕ ናይ ጽሞና ግዜ
13:34 - 6. ጻዕሪኻ ኣኽብር
15:09 - 7. ንግሆኻን ምሸትካን ተቖጻጸር
17:52 - 8. ንነብስኻ ተሓታቲ ግበር
19:36 - BONUS: ሰለስተ ሕቶታት ቅድሚ ምድቃስካ
20:22 - ናይ 7ተ መዓልታት ብድሆ!
#ለውጢ #TigrignaMotivation #IdealifeSuccessCoach #PersonalDevelopment #SelfDiscipline #Tigrigna #SelfImprovement #Mindset #StopProcrastinating #PersonalGrowth #PositiveMindset #LifeTransformation #habits